Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ዝተዛዘመ ባጀት ዓመት 2 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኣብ ዝተዛዘመ ባጀት ዓመት 2 ነጥቢ 1 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝረኸበ ገሊፁ።

ካብቲ ዝተረኸበ ሓፈሻዊ ኣታዊ እቲ ልዕሊ 282 ሚሊየን ብር መኽሰብ ከምዝኾነ ኣብሪሁ።

እቲ ኣታዊ፥ ንኢንቨስተራት ካብ ዝቐርቡ ኣብ መፍረይቲ ሼዳት ብዝለምዐ መሬት ክራይ፣ ንመንበሪ ኣባይቲ ካብ ዘገልግሉ ኣፓርትመንታት፣ ንህንፃታት ክራይን ንኢንቨስተራት ካብ ዝቐርቡ ዝተፈላለዩ ኢንቨስተር ተኮር ኣታዊ ዝርከበሎም ኣገልግሎታትን ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.