Fana: At a Speed of Life!

ኮረም ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓሳ ትምለስ ኣላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ከተማ ኮረም ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓሳ እናተመለሰት ምዃና ነበርቲ እታ ከተማ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኲናት ብምኽፋቱ ነበርቲ እታ ከተማ ብምኽባር ናብራ እናተሳቐዩ ከምዝነበረን ብሰላም ወፂኦም ክኣተው ዘይኽእሉሉ ብርኪ በፂሖም ከምዝነበረን ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኮረምን ከባቢኣን ሰላም ስለዝዓሰለ ብሰላም ወፂኦም እናኣተዉ ከምዝኾኑ ፀብፃብ ኣሚኮ የመላኽት፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ዕድጊት ተቛሪፁ ከምዝነበረ ዝገለፁ እቶም ነበርቲ ሕዚ ሰላማዊ ብዝኾነ መገዲ ዕዳጋ ከምዝተጀመረ ኣብሪሆም።

ንወገን ጦር ደጀን ብምዃን ምስ ውዳበ ፀፅታ መንግስቲ እቲ ከባቢ ተዋዲዶም ንዘብዒ ሰላመ ጠጠው ከምዝብሉ እውን ኣረጋጊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.