Fana: At a Speed of Life!

ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ክልል ትግራይ ኣብ ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ዝነበረ ክልከላ ብኽፋል ኣማሓይሽዎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ክልል ትግራይ ኣብ ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ዝነበረ ክልከላ ብኽፋል ኣማሓይሽዎ።

ነዚ ኣመልኪቱ ቢሮ ኮንስትራክሽን፣ መንገድን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ አቻብ ዝሃቦ መግለፂ፥ ኣብ ውሽጢ ወረዳ ጥራሕ ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ከለምዝተፈቐደ ሓቢሩ።

ምክትል ሓላፊት እቲ ቢሮ ወ/ሪት ራሄል ሃይሉ፥ እቲ ዝተገበረ ምምሕያሽ ካብ ሎሚ ዕለት 17 ሚያዝያ 2012 ዓ/ም ጀሚሩ ተግባራዊ ከምዝኸውን ገሊፀን።

እቲ ምምሕያሽ ብመሰረት ሓዱሽ ኣወዳድባ ወረዳታት  ዝፍፀም እንትኸውን፥ ኣብ ውሽጢ ወረዳ ጥራሕ ምንቅስቓስ መጓዓዝያ ክህሉ ዝፈቅድ ምዃኑ ሓቢረን።

ኣግባብ ኣፈፃፅምኡ ዝምልከት ድማ፥ ተሽከርከርቲ ካብ ዝፅዕንኦ ዝነበራ ሕጋዊ መጠን ፅዕነተን ብፍርቂ /50%/ ቀኒሰን ሰብ ክፅዕና ኣለወን ተባሂሉ።

ክፍሊት ታሪፍ ዝምልከት ድማ ሓደ ሰብ ናይ 2 ሰብ ወይ ድማ ዕፅፊ ዝኸፍል ይኸውን።

ማእኸል ወረድአን ኣብ ከተማ ዝኾነ ገጠር ወረዳታት ድማ ኣብቲ ከተማ ካብ ዘሎ መናሃርያ እናተበገሳ ንናይ ወረደአን መስመራት ግልጋሎት መጓዓዝያ ክህባ ኣለዎም።

ኣሽከርከርትን ሓገዝቶምን መከላኸሊ ናውቲ ማለት እውን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ)፣ ጓንቲ ክገብሩ ግድን እዩ።

ካብዚ ብተወሳኺ ንተሳፈርቲ ሳኒታዘር ከቕርቡ ኣለዎም ተባሂሉ።

ፅሬት ተሽከርከርቶም ክሕለውን ተሳፈርቲ ንፋስ ክረኽብሉ ዝኽእሉ ተግባራት ክፍፅሙን ኣለዎም።

ጥፍኣት ንዘጥፍኡ ኣሽከርከርትን ካልኦት ግልጋሎት መጓዓዝያ ዝህቡ ኣካላትን ብመሰረት ኣብ ህፁፅ ኣዋጅ ዝተደንገገ ስጉምቲ ዝውሰድ ይኸውን።

መናሃርያ ኣብ ዘይብለን ሓደሽቲ ወረዳታት ድማ ከከም ኩነታቱ እናተርኣየ ቀፃሊ መብርሂ ክወሃብ እዩ ኢለም እተን ምክትል ሓላፊት።

ብተወሳኺ ኣብ መናሃርያታት ንምክልኻል ሕማም ኮሮና ዝሕግዙ ናውቲ ፅርየት ማለት እውን ማይ መሕፀቢ ኢድ፣ ሳሙና፣ ሳኒታይዘር ወይ ኣልኮል ዝኣመሰሉ ናውቲ ክቕርባ ከምዝግባእ ተሓቢሩ።

ፍልፍል፡-ጋዜጣ ወይን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.