Fana: At a Speed of Life!

ኮማንድ ፖስት ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝተወሰኑ ትካላት ንግዲ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ከምዘልዓለ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚቴ ኮማንድ ፖስታ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ኣብ ዝተወሰኑ ትካላት ንግዲ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ክለዓል ከም ዝወሰነ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ህዝቢ ትግራይ ብቫይረስ ኮረና፣ ብኢኮኖሚያዊን ፖለቲካውን ፀቅጢ ከየጋጥሞ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እቲ ክለዓል ዝተወሰነ እገዳ ብመሰረት ዝተኸየደ ዳህሳስ ቁጠባዊ ፅዕንቶ ንምንካይ ዓሊሙ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ፦

– እንዳቡን፣

– እንዳካፌ፣

– እንዳ ፅሟቕ፣

– እንዳ ፀጉሪ ደቂ ተባዕትዮን ኣንስትዮን፣

– እንዳስዋ (ተጠቀምቲ ገዚኦም ናብ ገዘኦም ክወስዱ)፣

– ኣልኮል እውን እቶም መከፋፈልቲ ኣብ መኽዚን ዝሓዝወን ጥራሕ ክሸጡ፣

– ትራንስፖርት ኣብ ክሊወረዳ ካብ ጣብያ ናብ ጣብያ ጥራሕ ንኽንቀሳቐሱ ከም ዝተወሰነ ተገሊፁ።

ኣብተን እገዳ ተነቢሩወን ዝነበራ ትካላት ንግዲ ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ተገልገልትን ናውቲ መናፅህን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀሙ ከም ዝግደዱ እውን ዶክተር ደብረፂዮን ኣገንዚቦም።

ጉዳይ መጋዓዝያ ብዝምልከት ቅድም ክብል ኣብ ውሽጢ ወረዳታት ገጠር ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ከም ዝተልዓለን ካብ ከተማ ናብ ከተማ፣ ካብ ከተማ ናብ ገጠር ከምኡ እውን ካብ ሓደ ገጠር ወረዳ ናብ ካልእ ገጠር ወረዳ ተነቢሩ ዝነበረ እገዳ ግና ሐዚ ውን ከም ዝቕፅል ኣብሪሆም።

ካልኦት እገዳታት ህልዊ ኩነታት እቲ ክልል እናተፀንዐ ኣብ ቀፃሊ ዝመሓየሽ ነገር ክህሉ ከምዝኽእል፥ ዶክተር ደብረፂዮን ገብረሚካኤል ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣፍሊጦም።

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሰብ ብመንግስቲ ልዑል ጥንቃቐ ይግበር ከምዘሎን ህዝቢ ድማ ሰሊኾም ንዝኣትዉ ሰባት ግቡእ ሓበሬታ ብምሃብ ናብ ኳራንቲን ክኣትዉ ክገብር ከምዘለዎምን ኣተሓሳሲቦም።

ፍልፍል፦ ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስትን ክልል ትግራይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.