Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ ኣመራርሓ ውድድርን ስነ-ስርዓትን ፕሪሚየርሊግ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴ ኣመራርሓ ውድድርን ስነ-ስርዓትን ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ።

ኣብ መበል 28 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ዝተኻየዱ ግጥማት ሓዊሱ ካልኦት ካብ ዳያኑን ተዓዘብቲን ዝቐረቡሉ ፀብፃባት ድሕሪ ምምርማር ኢዩ እቲ ኮሚቴ ውሳነ ኣሕሊፉ ዘሎ፡፡

ብመሰረት እቲ ውሳነ÷ 22 ሰነ 2015 ዓ.ም ዝካየዱ ክልተ ፀወታታት ብተመሳሳሊ ሰዓት ኣብ ዝተፈላለየ ሜዳ ክካየዱ ኢዮም፡፡

ብምዃኑ ጋንታ ኣርባምንጭ ከተማ ምስ ጋንታ ድሬዳዋ ከተማ ኣብ ኣዳማ ስታዲየም ኣበበ ቢቂላ ከምኡ እውን ወላይታ ድቻ ምስ ወልቂጤ ከተማ ኣብ ኣዳማ ስታዲየም ሳይንስን ቴክኖሎጂን ሰዓት 9፡00 ካፃወታ ኢየን።

ብካሊእ መዳይ ተፃዋታይ ጋንታ ባሕር ዳር ከተማ ኣለልኝ ኣዘነ ጋንትኡ ምስ ጋንታ ሲዳማ ቡና ኣብ መበል 28 ሰሙን ዝገበሮ ፀወታ ኣብ መበል 63 ደቒቕ ክልተ ብጫ ካርድ ዘውህብ ጥፍኣት ብምፍፃሙ ብቀይሕ ካርዲ ካብ ሜዳ ብውምፅኡ 1 ፀወታ ክእገድ ተወሲኑ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.