Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ ኖቤል ኖርዌይ ተዓዋቲ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ኣድሂቡ ዘመሓላለፎ ውሳነ ትኽክል ኣብ ምዃኑ ሐዚ እውን ፅኑዕ እምነት ከምዘለዎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኖርዌይ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዓዋቲ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ምዃኖም ኣመልኪቱ ኮሚቴ ኖቤል ዘመሓላለፎ ውሳነ ትኽክለኛ ኣብ ምዃኑ ሐዚ እውን ፅኑዕ እምነት ከምዘለዎ ገሊፁ።

እቲ ኮሚቴ ሽልማት ኖቤል ሰላም ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ “ንምስራዝ ዓሊሙ ዳግም መፅናዕቲ የካይድ ኣሎ” እናበሉ ውሱናት ኣካላት ዘናፈስዎ ወረ፥ “ቅድመ ሐዚ ይኹን ሐዚ እቲ ሽልማት ምውሃቡ ብዝምልከት ዳግም ንምፅናዕ ኣይሓሰብኩን፤ ንቐፃሊ እውን ንምፅናዕ ድልየት ኣይብለይን” ክብል ኣረጋጊፁ።

ሎሚ መዓልቲ ብዕሊ ኣብ ዘውፅኦ ደብዳበ እቲ ሽልማት ድሕሪ ምውሃቡ ምስራዝ ፈፂሙ ኣይፍቀድን ክብል ኣፍሊጡ።

ሽልማት ምሃብ ካብ ዝጅመረሉ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1901 ጀሚሩ ናይ ሓደ ተሸላሚ እውን ከምዘይተሰረዘ ገሊፁ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ንሰላምን ዓለም ለኻዊ ምትሕብባርን ብዝገበርዎ ፃዕሪ ብፍላይ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ንብዙሕ ዓመታት ዝፀንሐ ቅርሕንቲ ኣብ ምፍታሕ ንዝገበርዎ ፃዕሪ ተሸላሚ ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 ንክኾኑ ከምዘኽኣሎም ይዝከር።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.