Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴ ሚኒስትራት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምግታእ ዝሕግዙ መምርሒታት ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚቴ ሚኒስትራት ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምግታእ ዝሕግዙን ተወሳኺ ምምሕያሽ ኣሰራርሓ ዘሓቱን ክልተ መምርሒታት ተዛቲዩ ከምዘፅደቐ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ኣፍሊጦም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝፀሓፉዎ፥ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ መዓልቲታት ጥራሕ 49 በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ከምዝተረኸቡ ገሊፆም።

እዚ ድማ እቲ ቫይረስ ኣብ ዘሓፀረ እዋን ብቕልጡፍ ናይ ምዝማት ዕድል ከምዘለዎ ዘርኢ ኢዩ ኢሎም።

ሕረተሰብ እቲ ለበዳ ሕማም ናብ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ ብርኪ እናዓበየ ምምፅኡ ብምግንዛብ ብእዋናዊ ጉዳያት ብዘይምዝንጋዕ ኩሎም መምርሒታት ጥንቃቐ ተግባራዊ ምግባር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.