Fana: At a Speed of Life!

ኮሚቴታት ማሕበር ብሄራዊ ኮሚቴ ኣፍሪካ ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዕለተ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከሳልጥ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚቴታት ማሕበር ብሄራዊ ኮሚቴ ኣፍሪካ(ኣኖካ) ዓመታዊ ሓፈሻዊ ጉባኤ ዕለተ ሰንበት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከሳልጥ ኢዩ።

እቲ ጉባኤ ኣብ ክሊ ኦሊምፒክ ስፖርትታት ኣፍሪካ ኣድለይቲ ኢዮም ኣብ ዝበሃሉ ዛዕባታት ክዛተ ኢዩ።

አኖካ ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ልዑል ሽልማት ስፖርት እዛ ኣህጉር ንክኾኑ ውሳነ ምሃቡ ይዝከር።

ስለዝኾነ ኣብቲ ጉባኤ ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም ሓደ እቲ ሽልማት ዝወሃበሉ ስነስርዓት ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ሽልማት ብዝምልከት ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ፕሬዚዳንት ኮሚቴታት ማሕበር ብሄራዊ ኮሚቴ ኣፍሪካ ሙስጠፋ ቤራፍ፥ እቲ ውሳነ ናይ ወልቀ ሰባት ዘይኮነስ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ኣኖካ ዝወሰኖ ኢዩ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዶክተር ኣቢይ ንምዕባለ ስፖርት ኣፍሪካ ልዑል ግደ ንዘለዎ ስፖርት ኢትዮጵያ ንዝገበርዎ ደገፍን ንህንፀት መንደር ኦሎምፒክ ንዝገበርዎ ደገፍ 3 ቢሊየን ብርን ልዑል ሽልማት እዛ ኣህጉር ንምሃብ ተወሲኑ ኢዩ ኢሎም።

ዋና ፀሓፊ ብሄራዊ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣፍሪካ ኣሕመድ ዓብዱልቃሲም ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሐዚ እዋን ብስፖርት ፅቡቕ ምዕባለ ከምዘለዋ ገሊፆም።

ኣብ ኢትዮጵያ ፅቡቓት መሰረተ ልምዓታት ከምዘለዉ ብምሕባር፥ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ሐዚ ንዘሎ መሰረተ ልምዓታት ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ደገፍ ገንዘብ ከመዝገበሩ ገሊፆም።

ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪካ እውን ካብዚ ትምህርቲ ንክወስዱ ስለእንደሊ ኢዩ እዚ ልዑል ሽልማት እንህቦም ዘለና ኢሎም።

ብኣብዱ ሙሐመድ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.