Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ንምርመራ ሓገዝቲ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ሓገዝ ተገይሩሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ) ቢሮ ምርመራ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ንምርመራ ሓገዝቲ ዝኾኑ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ሓገዝ ተገይሩሉ።

እቲ ሓገዝ ብቤት ፅሕፈት መዐወኒ ሓሽሽን ካልኦት ገበናትን ፕሮግራም ዝሐሸ ምምሕዳር ፍልሰት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝተገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ቀንዲ ልኡኽቶ እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ብብርኪ ዓለም መዐወኒ ሓሽሽ፣ ግዕዝይና፣ ግብረ ራዕዲን ካልኦት ገበናትን ብምክልኻል ሰላም ድሕንነትን፣ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ንምዓትን ኣስተዋፀኦ ምግባር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ስለዝኾነ ድማ ዝተፈላለዩ ኮምፒዩተራት፣ መሳርሒታት መመርመሪ ፎረንሲክን ዝተፈላለዩ ዘበናዊ መገልገልቲ ኣቑሑት ቢሮን ንኮሚሽን ፖሊስ ሓገዝ ገይሩ፡፡

እቶም ዝተገበሩ ሓገዛት እቲ ንዝሰርሖም ስራሕቲ ምርመራ ዝውዕሉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ሓላፊ ቢሮ ምርመራ ገበን ኮሚሽነር ጀነራል ዘላለም መንግስቴ፥ በቲ ትካል ዝተገበረ ሓገዝ ንስራሕቲ ምርመራ ገበን ኣዚዮም ኣገደስቲ ከምዝኾኑ ብምግላፅ፤ ብሽሞምን ብሽም እቲ ኮሚሽንን ምስጋና ምቕራቦም ካብ ኮሚሽን ፖሊስ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.