ኮሚሽን ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ንኸዓስል ኣስተዋፅኦ ኣለዎ – ሕብረት ኣውሮፓ
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃራዊ ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላም ምርግጋእን ክፍጠር ብምግባር ሃናፂ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ ሕብረት ኣውሮፓ ገሊፁ፡፡
ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር) ንኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም-ኢመስበርገር ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።
እቶም ሚኒስትር ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲታት ማሕበረ-ኢኮኖሚ ንምምሕያሽ ትገብሮ ፃዕሪ ቁልፊ መሓዛ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ምስቲ ሕብረት ዘለዋ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ከምትሰርሕን ብፍላይ ብምትሕብባር ልምዓት፣ ንግዲን ኢንቨስትመንት ዘሎ ርክብ ንምስፋሕ ድሌት ከምዘለዋ ተዛሪቦም።
ኣምባሳደር ሶፊ ፍሮም-ኢመስበርገር ብግደአን፥ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዞባ ብመንፅ ዘለዋ ርኡይ ስትራቴጂካዊ ግደ ሕብረት ኣውሮፓ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ርክብ ፍሉይ ትኹረት ከምዝህብ ገሊፀን።
ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ንኢትዮጵያ ዘላቒ ሰላምን ምርግጋእን ንኽፍጠር ሃናፂ ኣስተዋፅኦ ከምዝህልዎ እተን ኣምባሳደር ምግላፀን ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።