Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዝበፅሖም ወገናት ሰብኣዊ ሓገዝ እናገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣገልግሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ካብቲ ኮሚሽን ዝተረኸበ ሓበሬታ ብምፅራሕ ከምዝሓበሮ፤ በቲ ሓደጋ 600 ዝኾኑ ዜጋታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም።

መንግስቲ ፌደራል በቲ ኮሚሽን ኣቢሉ ልዕሊ 3 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት 520 ኩንታል ምግቢን ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲን ብሓገዝ ኣቕሪቡ።

ሕድሕድ ጥቕላል ንሓሙሽተ ሰባት ኣገልግሎት ዝህቡ 100 ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ናውቲ ጥቕላላት ምብፃሕ ከምዝኸኣለ ተገሊፁ።

ብሓፈሻ 5 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ዝግመት ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝተገበረ ሓበሬታ እቲ ኣገልግሎት ኣመልኪቱ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.