Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ኢንስፔክሽንን ስነ ምግባርን ትካላዊ ዓቕሚ ንምጥንኻር ኣብ ዝተገበረ ስራሕ ውፅኢት ኣመዝጊቡ ኢዩ-ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ኢንስፔክሽንን ስነ ምግባርን ፓርቲ ብልፅግና ትካላዊ ዓቕሚ ንምጥንኻር ኣብ ዝተገበረ ስራሕ ውፅኢት ኣመዝጊቡ ኢዩ ክብሉ ምክትል ብሬዚዳንትን ሓላፊ ዋና ቤት ፅሕፈትን ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።
ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ክካየድ ዝፀንሐ ገምጋም ኣፈፃፅማ ትልሚ 2016 ዓ ም መበል ሻድሻይ ሓበራዊ መድረኽ ዘተ ተዛዚሙ።
ኣብቲ መድረኽ ፀብፃብ ኣወዳድባ ትካላት ክልል፣ ምምሕዳር ከተማን ፌዴራልን እቲ ኮሚሽንን ሓፈሻዊ ገምጋም ፀብፃብ እቲ ኮሚሽንን፣ መሪሕ ትልሚ ባጀት ዓመት 2017 ዓ ም ቀሪቡ።
ኣካቢት እቲ ኮሚሽን ሰላማዊት ዳዊት ምስ ኣከብቲ ትካላት ኮሚሽን ክልል፣ ከተማን ፌዴራልን ስምምዕነት ትልሚ 2017 ዓም ከቲመን።
ኣይተ ኣደም ፋራህ ኣብ 2016 በጀት ዓመት ኮሚሽን ኢንስፔክሽንን ስነ ምግባርን ፓርቲ ብልፅግና ትካላዊ ዓቕሚ ንምጥንኻር ኣብ ዝተገበረ ስራሕ ውፅኢት ከመዝግበሎም ዝኸኣሉ ሰለስተ ምኽኒያታት ዘርዚሮም።
ንሳቶም እውን፥ ፅኑዕ ኣወዳድባ ፓርቲ ንምፍጣር ከምዝግባእ ብመሰረት ዝተቐመጠ ኣንፈት ናብ ተግባር ምእታዉ ቀዳማይ ኢዩ ኢሎም።
ካልኣይ፥ በቢብርኩ ዝርከቡ ኣባላትን ኣመራርሓን እቲ ኮሚሽን ተንቀሳቒሶም ምስረሖም ኢዩ ኢሎም።
ሳልሳይ፥ እቲ ኮሚሽን ልኡኹ ምውፃእ ንክኽእል ምእማን፣ ምድጋፍን ምትግባርን ብዝብል መትከል ናብ ስራሕ ምእታዎም ኢዩ ኢሎም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.