Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ስፖርት ትግራይን ስፖርትን ናብ ንቡር ንምምላስ ዘኽእል ምንቅስቓስ ተጀሚሩ- ኣይተ ዱቤ ጅሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ስፖርት ትግራይን ስፖርትን ናብ ንቡር ንምምላስ ዘኽእል ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ምክትል ኮሚሽነር ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ኣይተ ዱቤ ጅሎ ገሊፆም።

ኣይተ ዱቤ ኣብ ትግራይ ዝግበር ደገፍ ብዝምልከት ንጋዜጠኛታት መግለፂ ሂቦም።

ኣብቲ ክልል ብዝነበረ ፀገም ፀፅታ ካብ ዝተጎድኡ ትካላት መንግስቲ ኮሚሽን ስፖርት ትግራይ ሓደ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ እቲ ኮሚሽን ስፖርት ንብዙሕ ዓመታት ዘፍረዮም ሃፍቲታት፣ ናውቲታት ቢሮን ዕጥቅታት ስፖርት ዓኒዮም፤ ምንቅስቓስ ስፖርት እውን ደው ኢሉ ኢዩ ኢሎም።

ክልል ትግራይ ብኣትሌቲክስ፣ ኩዕሶ እግሪ፣ ብሽክለታን ካልኦት ምንቅስቓስን ሃገርና ዝውክሉን ውፅኢታዊያንን ስፖርተኛታት ዝፈርዩላ ዝነበረት እኳ እንተኾነት፥ ብዝተፈጠረ ፀገም ሰላም ኣብዚ ሐዚ እዋን ስፖርታዊ ምንቅስቓሳት ደው ከምዝበሉ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ኮሚሽን ስፖርትን ምንቅስቓስ ስፖርትን እቲ ክልል ናብ ንቡር ንምምላስ ዘኽእል ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ኣሎ ኢሎም።

ነዚ ንምምላስ ዘኽእል ደገፍ ዘተኣኻኽብ ግብረ ሓይሊ እውን ከምዝተጣየሸ ገሊፆም።

እቲ ኮሚቴ ብዋናነት ኮሚሽን ስፖርት ፌዴሪኢ ዘተሓባብሮን ዝመርሖን እንትኸውን፥ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ፣ ፌዴሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፣ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስን ካልኦት ማሕበራት ስፖርትን ትካላትን ዘካተተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኮሚሽን ስፖርት እቲ ክልልን ምምሕዳራት ከተማን እውን ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝሳተፉ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.