Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ማዕከላዊ ቁፅፅርን ኢንስፔክሽንን ፓርቲ ብልፅግና እቲ ፓርቲ ኣስታት 10 ሚሊየን ኣባላትን ኣመራርሓን ከምዘለውዎ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኮሚሽን ማዕከላዊ ቁፅፅርን ኢንስፔክሽንን ፓርቲ ብልፅግና እቲ ፓርቲ ኣስታት 10 ሚሊየን ኣባላትን ኣመራርሓን ኣብ መላእ ሃገር ከምዘለውዎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ኣፈፃፅማ ስራሕ 6 ኣዋርሕ 2013 ዓ.ም ይግምግም ኣሎ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን 9 ሚሊየንን 941 ሺሕን 467 ኣባላትን ኣመራርሓን ከምዘለውዎ ድማ ኣብቲ ገምጋም ገሊፁ።

እቶም ኣባላት ብዳታ ቤዝ ክምዝገቡ ከምዝግባእ ድማ ሓቢሩ። ነቲ ፓርቲ ውሽጠ ዴሞክራሲ ምጥንካር እቲ ኮሚሽን ግድኡ ከምዝዋፃእ ኮሚሽነር ኮሚሽን ማዕከላዊ ቁፅፅርን ኢንስፔክሽንን ፓርቲ ብልፅግና ኢንጂነር አወቀ ሃይለማርያም ገሊፆም።

ቅድመ ሐዚ ኣብ ኣርባዕተ ክልላት ተሓፂሩ ዝነበረ ስራሕ ኣብ ኩለን ክልላት ከምብሓዱሽ ምውዳቡ ናይተን ክልላት ናይ ተግባርን ሓሳብን ሓድነት ምዕሩይ ኮይኑ ንክቕፅል ዕድል ዝፈጠረ ከምዝኾነ ድማ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.