ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራል ኣብ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ዝሳተፉሉ መድረኽ ንምስንዳእ ይዳሎ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ኢትዮጵያ ብብርኪ ፌዴራል ኣብ ከይዲ ዘተ ክሳተፉ ዝፈለዮም መዳርግቲ ኣካላት መድረኽ ምትእኽኻብ ኣጀንዳ ምድላው እናገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
እቲ ኮሚሽን ኣብ ፌዴራል (ብብርኪ ሃገር) ምስ ዝርከቡ ትካላትን ማሕበራት ኣጀንዳ ዝእክብብ እንትኸውን እቲ መርሃ-ግብሪ ድማ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወረባ እዋን ክሳለጥ ኢዩ፡፡
ኮሚሽን ሃገራዊ ዘተ ንዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ 10 ክልላትን 2 ምምሕዳር ከተማታትን ኣጀንዳ እናተኣኻኸበ ምፅንሑ ይዝከር፡፡
ኣብ ወቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝካየድ መድረኽ ብድምሩ 17 ምስ ዝኸኾኑ መዳርግቲ ኣካላት ፌዴራል ሃገራዊ ረብሐኦም ዝዓዘዘ ኣጀንዳታት ንምእካብ ከምዝተሃገነ ተገሊፁ፡፡
ኣብቲ ከይዲ እዞም ዝስዕቡ መዳርግቲ ኣካላት ዕድመ ዝተገበረሎም እንትኾኑ፤ እቶም ትካላት ብተወከልቶም ኣቢሎም ኣብቲ ከይዲ ክሳተፋሉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡
ትካላት ሃይማኖት፣ ኮንፌዴሬሽን ማሕበር ሰራሕተኛታት፣ ፌዴሬሽን ማሕበር ኣረጋውያን፣ መምህራን፣ ማሕበር መምህራን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ (ዩኒቨርሲቲ)፣ ፌዴሬሽን መስራሕቲ፣ ፌዴሬሽን ማሕበር ጉዱኣት ኣካል፣ ሃገር ለኸ ፓርቲታት ፖለቲካን ፍሉጣት ሰባትን ክሳተፋ ኢዮም።
ካብዚ ብተወሳኺ መንግስቲ ፌዴራል፣ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን፣ ቤት ፍርዲ ፌዴራል፣ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ተሳተፍቲ ከምዝኾኑ ሓበሬታ እቲ ኮሚሽን የመላኽት።