ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ድሬዳዋ ምስ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተዛቲዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ድሬዳዋ ምስ ዝርከቡ ኣቦታት ሃይማት፣ ዓበይቲ ዓዲን ኣባ ገዳታትን ተዛቲዩ።
እቲ ዘተ እቲ ኮሚሽን ኣናካየዶ ዝርከብ ተግባር ብምምዝጋብ ኣብ ቀፃሊ ሓቢርካ ንምስራሕ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ምርድዳእ ንምፍጣር ምዃኑ ኣምባሳደር መሓመድ ድሪር ገሊፆም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ልዝብ ምግባሩ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ እቲ ኮሚሽን ዘሳልጦም ተግባራት ከምዝግፉ ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ገሊፆም።
እቲ ዘተ ኣብ ቀፃሊ ሓቢርካ ንምስራሕ ምቹው ኩነታት ክፈጥር ከምዝኽእል ምግላፁ ካብ ኮሙዩኒኬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣካታታይ፣ ግልፀኝነት፣ ተኣማንነት፣ ምክእኣልን ምክብባር፣ ብሄራዊ ረብሓን ካልኦት ነጥቢታትን ዓምዲታት እቲ ኮሚሽን ከምዝኾኑ ኣብቲ እዋን ዘተ ተገሊፁ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።