ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ዝቕፅል በጀት ዓመት 60 ሚኢታዊ ልኡኽቱኡ ከምዝፍፅም ገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም 60 ሚኢታዊ ልኡኽቱኡ ከምዝፍፅም ኣፍሊጡ።
እቲ ኮሚሽን ካብ ስትራቴጂክ ትልሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ በጀት ዓመት 2015 ተግባራዊ ትልሙ ናብ ኮሚቴ መተሓባበሪን ኣማኻን ባይቶ ወለልቲ ህዝቢ ኣቕሪቡ፡፡
ዋና ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ፕሮፌሰር መስፍን ኣርኣያ ስራሕቲ ቅድመ ምድላው ተዛዚሞም ስራሕቲ ምድላው እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ብምሕባር፥ ኣብ ምዕራፍ ትግበራ 20 ሺሕ መድረኻት ብምድላው ክልተ ሚሊየን ሰባት ከምዘዛትዩ ኣብሪሆም፡፡
ኣብቲ በጀት ዓመት ልዕሊ 3 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ካብ መንግስቲ ዝሓትት እንትኸውን፥ እቲ 208 ሚሊየን ብር ካብ መሓዙት ትካላት ዝሽፈን ኢዩ፡፡
ዛዕባን ምፍላይ ተሳተፍቲን፣ ዝርገሐ ውዳበን መሰል ተግባራትን ኣንፈታት ቀፀልቲ ተግባራት ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡
ብሃለየሱስ ስዩም
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com