Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ኣባላትን ኣመራርሓን ፍሉያት ኮማንዶ ፀረ ግብረ ራዕዲ ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ጀነራል ፌዴራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ምስ ኣባላትን ኣመራርሓን ፍሉያት ኮማንዶ ፀረ ግብረ ራዕዲ ዘቲዮም።

እቶም ኮሚሽነር ጀነራል ብፍሉይ ኮማንዶ ብምስልጣን ኣብ ዝተፈላለዩ ግዳጃት ጅግንነት ዝፈፀሙን ኣብዚ ሐዚ እዋን እውን ምስ ዝፍፅሙ ዘለዉን ኣባላትን ኣመራርሓን ፍሉያት ኮማንዶ ፀረ ግብረ ራዕዲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ፍሉይ ኮማንዶ ፀረ ግብረ ራዕዲ ብዲስፒልንን ዕጥቅን ዝሓይለን ዝኾነ ይኹን ፖሊሳዊ ልኡኽ ብብቕዓት ዝፍፅምን ኢዩ ኢሎም።

ብመንግስቲን ህዝብን ከም ዋልታ ዝረአ፣ ልዑል ዓቕሚን ሞራልን ፖሊስ ፌዴራል ብምዃን ዝረአ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ምስ ዝተፈላለዩ ሓይሊታት ፀፅታ ፌዴራልን ክልልን ብምውዳድ፥ ሰላም ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ዝዝርጉ ኣመራርሓን ኣባላትን ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ሸኔን ፅንፈኛ ሓይሊን ብምድምሳስ  ኢትዮጵያ ናይ ምፅናዕን ሰላማ ናይ ምርግጋፅን ስርሑ ተጠናኺሩ ምቕፃሉ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.