Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ኣብ ሓዱሽ ዓመት ዓቕሚ ምግባር ሰራዊትና ብዝበለፀ ክነደንፍዕ ኢና ኢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሓዱሽ ዓመት ዓቕሚ ምግባር ሰራዊትና ብዝበለፀ ንምዕባይ ዘበናዊ ዓቕሚ ዕጥቂ እነዕብየሉ ዓመት ክኸውን ኢዩ ክብሉ ኮሚሽነር ጀነራል ፌደራል ፖሊስ ኢትዮጵያ ደመላሽ ገብረሚካኤል ገሊፆም፡፡

እቶም ኮሚሽነር ጀኔራል ሓዱሽ ዓመት ኣመልኪቶም መልኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ ንመላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን ፖሊስ ኢትዮጵያን ፖሊስ እንኳዕ ን2017 ዓ.ም ሓዱሽ ዓመት ብሰላም ኣብፀሐኩም ኢሎም፡፡

ፖሊስ ፌደራል ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ናይ ለውጢ ዓመታት ብዙሓት ተግባራት እናወገነ ዝረአዩን ዝጭበጡን ዓወታት ከምዘመዝገበ እውን ኣልዒሎም፡፡

በዚ ድማ ኣብ ምክልኻል ገበን፣ ምርመራ ገበን፣ ልምዓት ሓይሊ ሰብ፣ ቴክኖሎጂ፣ ኣብ ስልጠናን ትምህርቲን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ሃገራዊን ዓለም ለኻዊን ርክባት ዕዉትን ዘኽርዕን ስራሕ ምስራሕ ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም፡፡

ሓዱሽ ዓመት ዓቕሚ ምግባር ሰራዊትና ብዝበለፀ ንምዕባይ ዘበናዊ ሎጂስቲክስ፣ ዓቕሚ ዕጥቂ እነዕብየሉን እነዘምነሉን ዓመት ክኸውን ኢዩ” ክብሉ እቶም ኮሚሽነር ጀነራል ፌደራል ምግላፆም ሓበሬታ ፖሊስ ፌዴራል ኣመልኪቱ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.