Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽነር ጀነራል ደመላሽ ምስ ኣቦታት ሃይማኖት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽነር ጀነራል ኢትዮጵያ ፖሊስ ፌደራል ደመላሽ ገ/ሚካኤል ምስ ምኽባር በዓል መስቀል ዳሜራ ተተሓሒዙ ምስ ኣቦታት ሃይማኖት ተዛቲዮም፡፡

እቲ በዓል ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንኽኽበር እኹል ሓይሊ ሰብን ዘሽትቱ ኣኻብ ብምጥቃምን ዝተጠናኸረ ፍተሻ ብምክያድ እቶም ከባቢታት ናይ ምፅራይ ስራሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እቶም ኮሚሽነር ጀነራል ኣብቲ እዋን ዘተ ገሊፆም፡፡

ፖሊስ ዝተፈላለዩ ውዳበታት ብምፍጣር ኦሬንቴሽን ብመሃብ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወን ሰራዊት ፖሊስ ብፖሊሳዊ ስነ-ምግባር ብጭዋነት ፍተሻ ከምዘካይዱ እውን ኣብሪሆም፡፡

እቲ ፍተሻ ንሓበራዊ ረብሓ ከምዝኾነ ብምግንዛብ ህዝቢ ምትሕብባር ንኽገብር ምሕታቶም ካብ ፖሊስ ፌደራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣቦታት ሃይማኖት ብግደኦም ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን እቲ በዓል ብሰላም ንኽኽበር እናተገበረ ዝርከብ ፃዕሪ ብምስጋን÷ ንሳቶም እውን ዝተኸልከሉን ዝተፈቐዱ ነገራት ንምእመናን ከምዘገንዘቡ ተዛሪቦም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.