Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ዶ/ር ፍፁም ምስ ዋና ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሓሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽነር ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ዶክተር ፍፁም ኣሰፋ ምስ ዋና ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዑስማን ዲዩን ተዛቲየን።
ኣብ ዘተአን ድማ ኣብ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ኮሚሽንን ፕላንን ልምዓትን ባንኪ ዓለምን ብሓባር ክስርሑ ኣብ ዝኽእሉሉ ስራሕቲን ዘተኮረ ኢዩ፡፡
እተን ኮሚሽነር፥ ብቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኣብ ቀረባ እዋን ተቐባልነት ዝረኸበ ሃገራዊ ሰነድ ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ብዝምልከት ከይዲ ምድላውን ትሕዝቶን መብርሂ ሂበን፡፡
እቲ ትልሚ ተሳትፎ ክልላት፣ ሚኒስትራት ቤት ዕዮ፣ ሙሁራን፣ ዘፈር ውልቀን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ከምዝነበሮ ኣብሪሀን፡፡
እቶም ዋና ዳይሬክተር ብግደኦም፥ ትካሎም ምስ ኮሚሽን ፕላንን ልምዓትን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ብምትሕብባር ንምስራሕ ዘለዎ ድሌት ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ኣብ ቀፃሊ ብሓባር ክስርሑሎም ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ብዝርዝር ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ ኣብ ምንካይ ድኽነት፣ ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ሓበሬታን ዳታን፣ ኣብ ክትትልን ግምገማን፣ ከምኡ እውን ኣብ ህንፀት ዓቕሚ ሓሮም ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.