Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ እንመን ኢዮም?

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ሕብረተሰብ ሕፁያት ኮሚሽነራት ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ዝኾኑ ሕፁያት ንኽጠቁም ብግባር ልዕሊ 600 ሕፁያት ኮሚሽነራት ከምዝተጠቖሙ ዕላዊ ምግባሩ ይፍለጥ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ድማ እቲ ባይቶ ንኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ሕፁያት ኮሚሽነራት ክኾኑ ኢዮም ዝበሎም 42 ውልቀ ሰባት ሕረተሰብ ርኢቶ ንኽህበሎም ዝርዝሮም ዕላዊ ግይሩ ኢዩ፡፡

እቲ ባይቶ ካብ ሕብረተሰብ ዝተረኸበ እታወት መሰረት ብምግባር መልክዒ ብልዑል ብርኪ ኣማሊኦም ዝበሎም 11 ኮሚሽነራት ሾይሙ ኣሎ።

ንሳቶም እውን፦

1.መስፍን ኣርዓያ፡

ደረጃ ትምህርቲ፡ ፒ ኤች ዲ ብሕክምና ኣእምሮ

ልምዲ ስራሕ፡ ኣብ ዘፈር ሕክምና ኣእምሮ ልዕሊ 30 ዓማውቲ ዘገለገሉ፣ ልዕሊ 30 መፅናዕታዊ ፅሑፋት ዘሕተሙ ብሄራዊ የኤች አይ ቪ ሴክሬታሪያት ንኽጣየሽ ልዑል ፃዕሪ ዝገበሩ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ብምዝውዋር ሆስፒታላት ዝመርሑ፡፡

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ኮሌጅ ሳይን ጥዕናን ኣብ ሆስፒታል ኣማኑኤል ብሓላፍነት ዘገለገሉ፣ ኣብ ዝተፈላለዩ ካገራዊ መድረኻት ሰላም ብዘቕርቡዎም መምሀርቲን ሃነፅቲን ሓሳባት ብምብጋስ ንእናሰርሑ ዝርከቡ።

  1. ወይዘሮ ሂሩት ገብረስላሴ ፡

ደረጃ ትምህርቲ፡ ብሕጊ ማስተርስ ዲግሪ ዘለወን

ልምዲ ስራሕ፡ ኣብ ውድብ ሕራት መንግስታት (ውሕመ) ፍልይቲ ልኡኽ ኮይነን ዘገልገላ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ዘይኮኑ ዓለም ለኸ ትካላት ዝሰርሓ፤

  1. ዶክተር ተገኘወርቅ ጌቱ

ደረጃ ትምህርቲ፡ ፒ ኤች ዲን ብኢኮኖሚክስን ፖለቲካን ክልተ ማስተርስ

ስራሕ ልምዲ፡ ኣብ ውድብ ሕራት መንግስታት (ውሕመ) ዳይሬክተር ኣፍሪካ ኮይኖም ዘገልገሉ፤ ኣብ ፕሮግራማት ልምዓት ሃገራት ዝመርሑ፤ ብዙሓት ፅሁፋት ዘበርከቱ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ዩኒቨርስቲታት ዘምሀሩ፤ ኣብ ባንኪ ልምዓት ኣካቢ ቦርድ ኮይኖም ዘገልገሉ፤ ጎንፂታት ንምፍታሕ ዓለም ለኸ ተሞክሮ ዘለዎም፤ ዝተመስከረ ክእለት ኣመራርሓን ምሕደራን ዘለዎም፤

  1. ኣምባሳደር ዶክተር ኣይሮሪት መሓመድ

ደረጃ ትምህርቲ: ፒ ኤች ዲ ብሕጊ ልምዲ ስራሕ፡ ኣምባሳደር ኮይነን ዘገልገላ፤ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሓላፍነት ቦታታት ዝሰርሓ

  1. ወይዘሮ ብሌን ገብረመድህን

ደረጃ ትምህርቲ: ማስተርስ ዲግሪ

ልምዲ ስራሕ፡ መምህር ሕጊ ዝነበራ፤ ሓላፊት ቢሮ ዓለም ለኸ ማእኸል ልምዓት ዝነበራ፤ ኣብ ውሽጢ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ሓላፊት ቢሮ ርክብ ህዝቢ ጉዳያት ኣፍሪካ ኮይነን ዝሰርሓ፤ ኣብ ኮሚሽን ሰብአዊ መሰል እናገልገላ ዝርከባ፤

  1. ዶክተር ዮናስ ኣዳዬ

ደረጃ ትምህርቲ: ፒኤችዲ ልምዲ ስራሕ፡ ተመራማሪን ኣሰልጣኒን

  1. ኣይተ ዘገየ ኣስፋው

ደረጃ ትምህርቲ: ብሕጊ ማስተርስ ዲግሪ

ልምዲ ስራሕ: ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ንሃገሮምን ህዝቦምን ዝኸኣሉዎ ኩሉ ኣገልግሎት ዝሃቡ

  1. ኣይ መላኩ ወልደማሪያም

ደረጃ ትምህርቲ: ብሕጊ ቀዳማይ ድግሪ

ልምዲ ስራሕ፡ ጠበቓና ኣማኻሪ ሕጊን፣ ኣብ ህዝባዊ ትካላት ብዙሕ ኣገልግሎት ዝሃቡ፣ ኣብ ስግግር መንግሰቲ ኣማኻሪ ቤት ምኽሪ፤ ኣብ ቤት ምኽሪ መንግስቲ በዓል ሞያ ሕጊ፤ ኣብ ጉባኤ ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ (ኢሰመጉ) ዋና ፀሓፊ ብምዃን፤ ኣብ ማሕበራት ልምዓት ኣመራርሓ ኮይኖም ዘገልገሉ፡፡

  1. ኣምባሳደር መሃሙድ ድሪር

ደረጃ ትምህርቲ፡ ብሕጊ ማስተርስ ድግሪ

ልምዲ ስራሕ፡ ኣብ ቤት ምኽሪ ብኣባልነት፤ ብኣምባሳደርነት፤ ብሚንስትርነት፤ ብላዕለዋይ ኣማኻራይነት፤ ኣብ ኢጋድ ብኣተሓባባራይነት፤ ፍሉይ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣብ ሱዳንን ቀርኒ ኣፍሪካ ሰፊሕ ልምዲን ፍልጠትን ዘለዎም።

  1. ኣይተ ሙሉጌታ ኣጎ

ደረጃ ትምህርቲ፡ ብሕጊ ማስተርስ ዲግሪ

ልምዲ ስራሕ፡ ን4 ዓመታት ኣብ ዞባ ከፋ ላዕለዋይ ዳይና ቤት ፍርዲን ፕሬዚዳንትን፣ ኣብ ደ/ብ/ብ/ህ/ክ/መ ጠ/ፍ/ቤት ብዋና ሬጅስትራርነት ንሓደ ዓመት ዝሰርሑ፣ ብዳይነት ንሸውዓተ ዓመት ዝሰርሑ፣ በም/ ፕሬዚዳትነት ንክልተ ዓመትን ብፕሬዚዳንትነት ን8 ዓመታት ዘገልገሉ

  1. ዶክተር ኣምባዬ ኦጋቶ

ደረጃ ትምህርቲ: ብሶሻል ኣንትሮፖሎጂ ፒኤችዲ

ልምዲ ስራሕ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ዩኒቨርስቲታት ብመምህርነትን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ሰላምን ዲያሎግን ላዕለዋይ ኣማኻሪ ኮይኖም ዘገልገሉ፤ ኣብ ማክስ ፕላንክ ስነ-ህዝቢ ትካል መፅናዕቲ ዘገልገሉን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.