Fana: At a Speed of Life!

ኮሎኔል ይርጋለም ፍቓዱን ሌተናል ኮሎኔል ተወልደ ብርሃንን ክሃድሙ ክብሉ ኣብ ዓፋር ከምዝተትሓዙ መርማሪ ፖሊስ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሎኔል ይርጋለም ፍቓዱን ሌተናል ኮሎኔል ተወልደ ብርሃንን ክሃድሙ ክብሉ ኣብ ዓፋር ከምዝተትሓዙ መርማሪ ፖሊስ ንመጋባእያ ዕላዊ ገይሩ።

እዚ ዝገለፀ ኣባል ምርመራ ገበን ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ተጠርጠርቲ ብወሓስ ንቤት ፍርዲ ምሕታቶም ስዒቡ ኢዩ።

ቀዳማይ ብርኪ ቤት ፍርዲ ፌዴራል መጋባእያ ምድብ ኣራዳ ካልኣይ እዋን ቆፀሮ፥ እቶም ተጠርጠርቲ ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ተመዲቦም እናሰርሑ ዝነበሩ 10 መኮንናት ሰራዊት ምክልኻል ጉዳዮም ተመልኪቱ።

እቶም ተጠርጠርቲ፥ ኮሎኔል ሓረጎት በርሄ፣ ሌተናል ኮሎኔል ሙሉ ኣለሙ፣ ብርጋዴል ጄኔራል ይልማ ከበደ ፣ ኮሎኔል በረከት ወልደኣብየዝጊ፣ ሓለቐ ሚኢቲ ገብረጊዮርጊስ፣ ሌቴናል ኮሎኔል ግደይ ገብረእየሱስ፣ ሓለቓ ሽሕ ሃሳቡ መሓመድ፣ ሓለቐ ሚኢቲ ፀሃየ ሃይሉ፣ ኮሎኔል ይርጋለም ፍቓዱን ሌተናል ኮሎኔል ተወልደ ብርሃነን ኢዮም።

ተጠርጠርቲ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ስራሕ ኮይኖም ገበን ንምፍፃም ክፍፍል ስራሕ ገይሮም እናሰርሑ ከምዝነበረ ብመረዳእታ ኣረጋጊፀ ኢየ ክብል መርማሪ ፖሊስ ብዝተውሃቦ እዋን ዝሰርሖ ስራሕ ንመጋባእያ ገሊፁ።

ኣብ ወፃኢ ሃገር ንዝርከቡ ኣካላት ናይ ሓሶት ሓበሬታ እናቐበሉ ነይሮም ዝበለ መርማሪ ፖሊስ፥ ኣብቲ እዋን ኣብ ውሽጢሰራዊት ምክልኻል ፀገም ንኽስፋሕፋሕ እናበኣኣሱ ነይሮም ክብል ንመጋባእያ ገሊፁ።

ኣብዚ ተሳትፎኦም ኣብ ልዕሊ እዚ ሰሜን መጥቃዕቲ ንኽፍፀም እናሰርሑ ከምዝነበረ ብዝረኸቦ ሓበሬታ ምርግጋፁ እውን ኣብሪሁ።

ተጠርጠርቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣብ ስራሕ ከምዝነበሩ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ናይ ገበን ተሳትፎኦም ክግለፀሎም ከምዝግባእን ምስቲ ገበን ርክብ ከምዘይብሎምን ብምሕባር ብናፃ ወይ ድማ ብዋሕስ ንኽልቀቑ ሓቲቶም።

መርማሪ ፖሊስ ብግድኡ፥ ኮሎኔል ይርጋለም ፍቓዱን ሌተናል ኮሎኔል ተወልደ ብርሃንን ክሃድሙ ክብሉ ኣብ ዓፋር ከምዝተትሓዙ ነንመጋባእያ ገሊፁ።

ተጠርጠርቲ ናይ ገበን ጉጅለተሰቶምን ሓገዝቶምን ስለዘለዉ ካብዙይ እንተወፂም ጉድኣት ከብፅሑን ክሃድሙን ይኽሉ ኢዮም ብምባል ንሕቶ ዋሕሶም ተቓዊሙ ተኻቲዑ።

ናይ ክልቲኦም ክትዕ ዘድመፀ መጋባእያ፥ ናይ ሕድድሕድ ተጠርጠርቲ ተሳትፎ ገበን ካብ መዝገብ ተመልኪቱ ትእዛዝ ንመሃብ ን15 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ተለዋጢ ቆፀሮ ሂቡ።

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.