Fana: At a Speed of Life!

ኮሌጅ ጥዕና ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ወፍሪ መጥባሕቲ ዓይኒ ሞራ ከካይድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 04 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሌጅ ጥዕና ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ወፍሪ መጥባሕቲ ዓይኒ ሞራ ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት ከምዘካየድ ኣፍሊጡ።

እቲ ሕክምና መጥባሕቲ ምስ ቢሮ ጥዕና ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይን ኣልባሳር ፋውንዴሽን ዝተብሃለ ትካልን ብምትሕብባር ከምዝካየድ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዩንቨርስቲ ዓዲግራት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ካብ 14 ክሳብ 18 ለካቲት 2016 ዓ/ም ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ስለዝኾነ በቢከባቢኡ ዘለዉ ትካላት ጥዕና ንሞራ ዓይኒ ተቓላዕቲ ዝኾኑ ክፋላት ማሕበረሰብ ናብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዓዲግራት በቲ ዝተገለፀ ዕለት ብምኻድ ተረባሕቲ እቲ ሕክምና ንክኾኑ ጎስጓስ ክግበረሎም ተላቢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.