Fana: At a Speed of Life!

ክፍጠሩ ዝኽእሉ ቅልውላዋት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዘኽእሉ ስራሕቲ ቅድመ ምድላዋት ክጠናኸሩ ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ስዒቡ ክፍጠር ዝኽእል ቅልውላው ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዝሕግዙ ስራሕቲ ቅድመ ምድላዋት ክጠናኸሩ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ብሄራዊ ኮሚቴ ምክልኻልን ድልውነትን ሓደጋ ብምስሊ ዝተሓገዘ ኣኼባ ዘሳለጡ እንትኾኑ፥ ኣብ ኣወሃህባ ምላሽ ሓደጋ ኮቪድ-19፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ በረኻ ዝህልዎ ሓደጋን ኣብ ዝቕፅሉ ኣዋርሕ ዝህሉ ትንበያ ከባቢ ኣየርን ዝምልከት ብምዝታይ ኣንፈት ኣቐሚጡ።

ኣካቢ እቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ከምዝገለፁዎ፥ ተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ስዒቡ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ቅልውላዋት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዘኽእሉ ምድላዋት ክጠናኸሩ ይባእ።

ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ንምዕጋት መንግስቲ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ተግባራዊ ንምግባር ዝወሰዶም ስጉምቲታት ዝበረታትዑ ዋላ ይኹኑ እምበር ኣብ ሕብረተሰብ ዝረአ ዘሎ ምዝንጋዕ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ህይወት ደቂ ሰባት ናይ ምድሓን ልኡኽቶ ዝተሓንገጠ ከምዝኾነ ዝሓበሩ ኣይተ ደመቀ፥ ኣተሓሳሳቢነት ሕብረተሰብ እቲ ለበዳ ብዝምጥን መልክዑ ናይ ምክልኻል ምድላዉ ከጠናኽር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣባላት እቲ ብሄራዊ ኮሚቴ ብግደኦም፥ ብተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ቅልውላዋት ኣቐዲምካ ንምክልኻል ዘኽእሉ ተግባራት ብመሰረት እቲ ዝተቐመጠ ኣንፈት ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.