Fana: At a Speed of Life!

ክታበት ቫይረስኮሮና ብመደብ ኮቫክስ ኣቢሉ ናብ ኣፍሪካ ከምዝኣቱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ጥዕና ዓለም ክልተ ዓይነታት ከታበት ቫይረስ ኮሮና ፍርያት ኣክስፎርድ-ኣስትራዘኒካ ንሓደጋ ኣብ ልዕሊ ዝተቓልዑ ኣብ ረብሓ ክውዕሉ ኣፅዲቑ።

እዚ ውሳነ እቲ ክታበት ብመደብ ኮቫክስ ኣቢሉ ናብ ኣፍሪካ ዝግዕዘሉ ኩነታት ዘመቻቹ እዩ ተባሂሉ።

ኮቫክስ ዓለማዊ ተበግሶ እንትኸውን፥ ኣብ ዓለም ፍትሓዊ ክፍፍል እቲ ክታበት ንምፍጣር ሃገራት ብሓባር ዝወሰደኦ ተበግሶ እዩ።

ዛጊድ ክታበት ምኽታብ ዘይጀመራ ሃገራት እንተወሓደ ንሰብ ሞያ ጥዕነአንን ነቲ ዝተቓለዐ ማሕበረሰብን ቀዳምነት ሂበን ምኽታብ ክጅምራ እየን ክትብል ድማ ተሓጋጋዚ ዳይሬክተር ጀነራል ማርያንጌላ ሲማኦ ተዛሪባ።

እቲ ክታበት 63 ነጥቢ 9 ሚእታዊ ውፅኢታዊ ከምዝኾነን ምስ ኸዚንካ ምፅናሕ ተኣሳሲሩ ንድኻን ኣብ ምዕባይ ዝርከባን ሃገራት ምቹው እዩ ይብል እቲ ትካል።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.