Fana: At a Speed of Life!

ክብሪታት ብዓል ፊቼ ጨምበላላ  ንህንፀት ሃገር ክንርበሐሎም ይግባእ -ኣይተ ደስታ ሌዳሞ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክብሪታት ብዓል ፊቼ ጨምበላላ  ንህንፀት ሃገር ክንርበሐሎም ይግባእ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞ ገሊፆም።

ብዓል ሓዱሽ ዓመት ብሄር ሲዳማ ፊቼ ጨምበላላ፥ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ጉዱማሌ ብዝተፈላለዩ ስነ ስርዓታት ይኽበር ኣሎ።

ኣብቲ በዓል ዝተረኸቡ ኣይተ ደስታ፥ ፊቼ ጨምበላላ ምስ ኣምላኽ ሰብን ስነ ስርዓት ምትዕራቕ ዝፍፀመሉ በዓል ኢዩ ኢሎም።

ምፍልላይን ምርሕሓቕን ዝውገዘሉ፣ ንኹሎም ሰቂ ሰባት ዝረብሕ ሰላም ንምርግጋፅ ዘኽእል ኩነት ዝፍጠረሉ ዘኹርዕ ክብሪ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ማንነትን ባህልን ህዝቢ ሲዳማ ብምርኣይ ረብሓ ቱሪዝም ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ ክብሪታት ፊቼ ጨምበላላ ንህንፀት ሃገር ክንርበሐሉ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ እግደኦም፥ ብዓል ፍቼ ጨምበላላ ህዝቢ ሲዳማ ንማሕበረሰብ ኢትዮጵያን ዓለምን ዘበርከቶ ፍልጠት ኢዩ ኢሎም።

ናይ ሓድነት፣ ሓቢርካ ምንባርን ሕውነትን ብዓል ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ብኣፈወርቅ እያዩ፣ ብርሃኑ በጋሻውን ደብሪቱ በዛብህን

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.