Fana: At a Speed of Life!

ክብረ በዓል መዓልቲ ሰራሕተኛታት ሓደጋ ባርዕ ምኽኒያት ብምግባር ፅባሕ ዝዕፀዉ መስመራት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ግንቦት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፥ ክብረ በዓል መዓልቲ ሰራሕተኛታት ሓደጋ ባርዕ ምኽንያት ብምግባር ኣብ ከባቢ መስቀል ኣደባባይ ንውሱናት ስዓታት ዕፁው ዝኾኑ መስመራት መገዲ ከምዝህልዉ ኣፍሊጡ።

እቲ በዓል ብብርኪ ዓለም ንመበል 24 ግዘ ብብርኪ ሃገር ድማ ንመበል ካልኣይ ግዘ  “ዝሕልዉና ጀጋኑ ነኽብር” ብዝብል መሪሕ ቃል ክኽበር ኢዩ።

እቲ መገዲ ካብ 12 ስዓት ጀሚሩ ክዕፆ ኢዩ ኢሉ።

ብመሰረት እዚ እውን ካብ መጋናኛ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ቅዱስ ኡራኤል ቤተ ክርስቲያን፣ ካብ ቦሌ ናብ መስቀል ኣደባባይ ኦሎምፒያን ካብ ላንቻ ናብ መስቀል ኣደባባይ ኣራተኛ ክፍለ ጦር ዝዕፀው ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ንኸቢድቲ ተሸከርከርቲ ድማ ጥላሁን ኣደባባይ ዕፅው ክኸውን እዩ።

ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፣ ብለገሃር ናብ  መስቀል ኣደባባይ ለገሃር መብራት፣ ካብ ጎማ ቁጠባ ብብሔራዊ ቴኣትር ናብ መስቀል ኣደባባይ ቴሌ መስቀለኛ ወይ ክቡ ባንክ፣ ካብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ሐራምቤ ሆቴል መስቀለኛ፣ ካብ 4 ኪሎ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ብሔራዊ ቤተ መንግስቲ መስቀለኛ መገዲታት ካብ ሰዓት 12:00 ጀሚሩ ክሳብ ሰዓት 5:00 ቅድሚ ቀትሪ ከመዝዕፀዉ ተገሊፁ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.