Fana: At a Speed of Life!

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዞባ መተከል ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ብር 9 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሓገዝ ከምዝተኣከበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ጥሪ፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ክሳብ ሕዚ ኣብ ዞባ መተከል ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ብር 9 ነጥቢ 2 ሚሊየን ሓገዝ ከምዝተኣከበ ዓባይ ኮሚቴ መተኣኻኸቢ ሓገዝ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃፍቲ ተፈትሮን ክልል ቤኒንሻንጉልን ኣብ ዞባ መተከል ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ሓገዝ ዘተኣኻኽብ ዓቢዪ ኮሚቴ ሰባሳቢን ኣይተ ባበክር ሃሊፋ፥ እቲ ኮሚቴ ንዝተመዛበሉ ወገናት ኣብቲ ክልል ብር 50 ሚሊየን ንምእካብ ትልሚ ሒዙ ናብ ስራሕ ምእታዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ድማ ብር 9 ነጥቢ 2 ሚሊየን ክእክብ ከምዝኸኣለ ገሊፁ፡፡

እቲ ኮሚቴ ምስ ትካላት መንግስቲ እቲ ክልል፣ ኣብ ኣሶሳን ዞባ ካማሺን፣ ኣብ ፍሉይ ወረዳ ማኦ ኮሞን ከምኡ እውን ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣሶሳን ምስ ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታት መንግስቲን ብዘካየዱዎ ዘተ ምትእኽኻብ እቶት ፅቡቕ ምላሽን ሓገዝን ምርካቦም እቶም ሓላፊ ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ትካላት መንግስቲ እቲ ክልል፣ ኣመራርሓታትን ሰራሕተኛታትን ብዝገበሩዎ ተሳትፎ ብር 4 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዝተረኸብ እንትኸውን፥ ካብ ዞባ ኣሶሳ ልዕሊ ብር 2 ሚሊየን፣ ካብ ዞባ ካማሺ ልዕሊ 1 ነጥቢ 5 ሚሊየን፣ ካብ ፍሉይ ወረዳ ማኦን ኮሞን ልዕሊ ብር 550 ሺሕ፣ ካብ ምምሕዳር ከተማ ኣሶሳ ድማ ልዕሊ ብር 500 ሺሕ ከምዝተረኸበ ምግላፆም ካብ ቤት ፅፈት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉምዝ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.