Fana: At a Speed of Life!

ክሳብ ሕዚ ንግድብ ህዳሰ ዝውዕል 18 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ከምዝተኣበ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሳብ ሕዚ ንህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝውዕል 18 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ካብ ህዝቢ ከምዝተኣበ ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት መተሓባበሪ ግድብ ህዳሰ ኣፍሊጡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ቤት ፅሕፈት ፍቅርተ ታምር ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ “ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣብ ምርድዳእ ዘብፀሐ ምልክት ብራኸና ኢዩ” ኢለን።

እምነ ኹርናዕ ዝተነበረሉ መበል 13 ዓመት “ብሕብረት ክኢልና” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብዝተፈላለዩ ምድላወዋት ከምዝኽበር ገሊፀን።

ኣብ ዝሓለፉ 13 ዓመታት ክሳብ ሕዚ 18 ነጥቢ 9 ቢሊየን ብር ካብ ተሳትፎ ህዝቢ ከምዝተኣከበ እውን ተዛሪበን፡፡

ውፅኢት ቆራፅ ቅዋም መንግስቲን ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪን ከምኡ እውን ድጋፍ መላእ ኢትዮጵያውያን ከምዝኾነ ተዛሪበን።

መንፈስ ይከኣል ኢዩ ዝግሀደ ዓብዪ ፕሮጀክት ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ ኣብ ቀፃሊ እውም መሰል ፕሮጀክታት ብዝተሓባበረ ቅልፅም ምፈፃም ከምዝግባእ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ መበል 13 ዓመት ክብረ-በዓል÷ ሰሙን መሸጣ ቦንድ፣ ዓውደ-ምርኢታት፣ ምስጋና፣ ኣፍልጦን ካልኦት መድረኻት መተኣኻኸቢ ሓገዝን ከምዝካየዱ ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.