Fana: At a Speed of Life!

ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 836 ሺሕን 253 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ሃገር ተጓዓዒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክሳብ ትማሊ ኣብ ዘሎ እዋን 964 ሺሕን 118 ነጥቢ 1 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ፡፡

ካብ ሞንጎ እዚ እቲ 836 ሺሕን 253 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ሃገር ከምዝጓዓዓዘን 127 ሺሕን 864 ነጥቢ 9 ሜትሪክ ቶን ድማ ኣብ ወደብ ከምዝርከብን እቲ ሚኒስቴር ኣረጋጊፁ፡፡

ናብ ሃገር ካብ ዝተጓዓዘ ዘበናዊ ዱኽዒ÷ 523 ሺሕን 375 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ዳፕ ከምኡ እውን 312 ሺሕን 878 ሜትሪክ ቶን ዩሪያ ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.