ክሳብ ሕዚ ልዕሊ 836 ሺሕን 253 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ሃገር ተጓዓዒዙ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክሳብ ትማሊ ኣብ ዘሎ እዋን 964 ሺሕን 118 ነጥቢ 1 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ኣብ ወደብ ጅቡቲ ከምዝበፅሐ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ፡፡
ካብ ሞንጎ እዚ እቲ 836 ሺሕን 253 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ዘበናዊ ዱኽዒ ናብ ሃገር ከምዝጓዓዓዘን 127 ሺሕን 864 ነጥቢ 9 ሜትሪክ ቶን ድማ ኣብ ወደብ ከምዝርከብን እቲ ሚኒስቴር ኣረጋጊፁ፡፡
ናብ ሃገር ካብ ዝተጓዓዘ ዘበናዊ ዱኽዒ÷ 523 ሺሕን 375 ነጥቢ 2 ሜትሪክ ቶን ዳፕ ከምኡ እውን 312 ሺሕን 878 ሜትሪክ ቶን ዩሪያ ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር ኣመልኪቱ፡፡