Fana: At a Speed of Life!

ክልከላ ተነቢሩወን ካብ ዝነበራ ተሽከርከርቲ እተን 58 ካብ ጅቡቲ ናብ ድሬዳዋ ተጓዓዒዘን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ወደብ ጅቡቲ ብምኽዛን ናብ ሃገር ከይኣትዋ ክልከላ ተነቢሩወን ካብ ሞንጎ ዝነበራ ተሽከርከርቲ እተን 58 ካብ ጅቡቲ ናብ ድሬዳዋ ብምጉዕዓዝ ኣብ ወደብን ተርሚናልን ድሬዳዋ በፂሐን።

እተን ተሽከርከርቲ ውሳነ ክሳብ ዝረኸብባ ናብ ውሽጢ ሃገር ኣቲየን ንኽፀንሓ መንግስቲ ብዘቐመጦ ኣንፈት መሰረት ኢየን ናብ ወደብን ተርሚናልን ድሬዳዋ ክጓዓዓዛ ተገይሩ ዘሎ፡፡

ብሓሙሽተ መኪና ዝፅዕና ከበድቲ ተሽከርከርቲ ተፃዒነን ዝኣተዋ እንትኾና÷ ኣብቲ ወደብን ተርሚናልን ኣብ ዝተሰናደአለን ቦታ ክቕመጣ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ፡፡

ዝተረፋ ተሽከርከርቲ ኣብ ቀፃሊ ተጓዒዘን ከምዝኣትዋ ዝተሓበረ እንትኸውን÷ ትራንስፖርትን ሎጅስቲክስን ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝተውሃቦ ሃገራዊ ሃላፊነት ብብቕዓት ንምውፃእ ኣበርቲዑ ከምዝሰርሕ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.