ክልቲኣዊ ምትሕብባር ኢትዮጵያን ብሪታኒያን ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ይካየድ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክልቲኣዊን ስትራቴጂካዊን ምትሕብባር ኢትዮጵያን ብሪታኒያን ንምጥንኻር ዝዓለመ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ዋና ዳይሬክተር ኢንስትቲዩት ጉዳይ ወፃኢ ጃፋር በድሩ፥ ክልቲአን ሃገራት ብፈተናታት ዘይብዳህ ርክብ ዘለወን ሃገራት ኢየን ኢሎም።
እተን ሃገራት ብፅንዓት፣ ምክብባርን ሓበራዊ ሓድነትን ዝተመስረተ ርክብ ዘለወን ከምዝኾና እውን ገሊፆም።
ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ብምትሕብባር ይሰርሓ ከምዘለዋ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ርክበን ብመትከል ሓበራዊ ተረባሕነት ክጠናኸር ከምዝግባእ ሓቢሮም።
ኢትዮጵያን ብሪታኒያን ልዕሊ 100 ዓመታት ዘቑፀረ ክልቲኣዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።