ክልተ ተርባይናት ህዳሴ ግድብ ኣብ መፈለምታ ኣዋርሕ ሓዱሽ ዓመት ምፍልፋል ክጅምራ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልተ ተርባይናት ህዳሴ ግድብ ኣብ መፈለምታ ኣዋርሕ ሓዱሽ ዓመት ምፍልፋል ክጅምራ ኢየን ክብሉ ሚኒስትር ማይ፣ መኣድንን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ ገሊፆም።
እቶም ሚኒስትር ኣብ 2013 ዓ.ም ኣብ ድርድር ዝተፈላዩ ፈተናታት ከምዝነበሩ ኣዘኻኺሮም።
ይኹን እንበር ህንፀት እቲ ግድብ ኣብ ኣፀጋሚ ኩነታት እውን እንተኾነ ተጠናኺረ ብምቕፃሉ ክልተ ተርባይናት ህዳሴ ግድብ ኣብ መፈለምታ ኣዋርሕ ሓዱሽ ዓመት ምፍልፋል ክጅምራ ኢየን ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ዝተረፈ ስራሕቲ እተን ተርባናት ኣብ ዝቕፅሉ ሕደት ጊዘታት ከምዝዛዘም ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ፈጣሪ ዝሃባ ፀጋ ምጥቃም መሰል ኣለዋ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ካብ ምፅዋትን ድኽነትን ምውፃእ ዝከኣል ጠንኪርካ ብምስራሕ ኢዩ ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com7 /fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።