Fana: At a Speed of Life!

ክልል ጋምቤላ ኣብ ዞባ ጎፋ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል 3 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ጋምቤላ ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ጎፋ ወረዳ ገዜ ጎፋ ቀበሌ ኬንቾ ሻቻ ጎዝዲ ብሰንኪ ዘጋጠመ ሓደጋ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል 3 ሚሊየን ብር ደገፍ ከምዝገብር ኣፍሊጡ።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ዑሞድ ኡጁሉ፥ በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ጉድኣ ንዘጋጠሞም ወገናት ብግዚያዊነት ካብ ዝግበር 3 ሚሊየን ብር ብተወሳኺ እቲ ደገፍ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፆም።

ንስድራ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ናይ ዝሰኣኑ ወገናት ምፅንዕናዕ ተመኒዮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.