Fana: At a Speed of Life!

ክልል ዓፋር ዘሰልጠኖም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ዓፋር ዘሰልጠኖም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ኣመሪቑ።

እቶም ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ፥ ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ብምስልጣን ከምዘመረቖም ተገሊፁ።

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ጀኔራል እንዳሻው ጣሰው ተረኺቦም።

እቲ ስልጠና፥ ኣብቲ ክልል ዝካየድ ሃገራዊ መረፃ ሰላማዊ ንምግባር ክፍጠር ንዝኽእል ሕፅረት ሓይሊ ሰብ ንምፍታሕ ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ፀፅታ ድሕንነትን ህዝቢ ብምሕላው ኣብቲ ክልል ዘሎ ልዕልነት ሕጊ ንምጥንኻር ከምዝሕግዝ ካብ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.