ክልል ኦሮሚያን ዩ ኤን ዲ ፒን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ክታም ኣንቢሮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያን ትካል ፕሮግራም ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንገስታት(ዩ ኤን ዲ ፒ)ን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።
ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት ርእሰ ምምሕዳር ሽመልስ ኣብዲሳን ተወካሊ ዩ ኤን ዲ ፒ ኣብ ኢትዮጵያ ቱራን ሳላን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።
እቲ ስምምዕነት ኣብ ዝቕፅሉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ተግባራዊ ዝኸውን እንትኸውን፥ ኣብ ጉዳያት ሰላምን ለምዓትን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።
ኣይተ ሽመልስ፥ እቲ ትካል ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንዝስርሑ ንጥፈታት ልምዓት ደገፍ ንክገብር ሓቲቶም።
ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ብድርቂ ጉድኣት ንዘጋጠሞም ዜጋታት ዝግበር ደገፍ ንክጠናኸር ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ቱራን ሳላ ብግደኦም÷ ትካሎም ንዝተመዛበሉ ዜጋታት ደገፍ ይገብር ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ንሓለዋ ከባቢ እውን ሓገዝ ከምዝገበረ ሓቢሮም።
ብያዴሳ ጌታቸው
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።