Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልል ሶማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ እንስሳት ዝኸውን ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልል ሶማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ እንስሳት ዝኸውን ሓገዝ መኖ ገይሩ።

ርእሰ መምሕዳር ክልል ኣምሓራ ዶክተር ይልቃል ከፋለ፥ ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ድርቂ ብሓባር ንምፍታሕ ፃዕሪ ከምዝገብሩ ገሊፆም፡፡

ክልል ኣምሓራ ኣብ ፀገም እብ ዝኣተወሉ እዋን ክልል ሶማሌ ኣብ ጎኒ እቲ ክልል ከምዝነበረ ዝሓሩ እቶም ርእሰ መምሕዳር፥ ንዝተገበረሎም ኣቀባብላ ኣመስጊኖም፡፡

ርእሰ ምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ ብግደኦም፥ ክልል ኣምሓራ ብግብረ ራዕዲ ጉጅለ ህወሓት ጉድኣት ይብፃሓዮ እምበር ንክልል ሶማሌ ሓገዝ ምግባሩ ሓድነትን ምትሕስሳብን እቶም ክልላት ዘርኢ ከምዝኾነ ገሊጾም።

ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝነበረ ስርዓት ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምግጫው ይሰራሕ እምበር ሕዚ ሃገራዊ ሓድነት ዘርኢዩ ስራሕቲ እናተሰርሑ ኢዮም ምባሎም ኣሚኮ ፀብፂቡ።

እቲ ክልል ንዝገበሮ ሓገዝ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.