Fana: At a Speed of Life!

ክልል ኣምሓራ ናብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ንኽምለስ ሕብረተሰብ ብምስታፍ ዘይተሓለለ ፃዕሪ ክግበር ኢዩ – ኣይተ ኣደም ፋራህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ክልል ኣምሓራ ናብ ዝተማለአ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ንኽምለስ ሕብረተሰብ ብምስታፍ ዘይተሓለለ ከምዝግበር ብመዓርግ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ማእኸል መተሓባበሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ክልል ኣምሓራ ዝተኻየደ ህዝባዊ ሰልፊ ኣመልኪቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ኣብ መልእኽቶም ድማ÷ “ህዝቢ ብዕቱብ ብምውፃእ ሰላም ንኸዓስል፣ ልዕልነት ሕጊ ንኽኽበር፣ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ግፍዒ እናፈፀሙ ዝርከቡ ፅንፈኛ ሓይሊታት ናብ ሕጊ ንኽቐርቡ፣ መንግስቲ ብተደጋጋሚ እናቕረቦ ንዝርከብ ፃውዒት ሰላም ከምዝድግፍ ብዕሊ ድምፁ ኣስሚዑ ኢዩ፤ ኣዚና ነመስግን” ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ እቲ ክልል ብዝተማለአ ሁነታት ዳግም ሰላማዊ ምንቅስቓስ ንኽምለስ ፓርቲ ብልፅግና ዝመርሖ መንግስቲ ንሕብረተሰብ ብምስታፍ ዘይተሓለለ ከምዝግበር ገሊፆም።

“መንግሰቲ ንሰላም፣ ንዘተን ድርድርን እተዓርብ ፀሓይ ከምዘየላ ደጋጊሙ የረጋግፅ” ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.