Fana: At a Speed of Life!

ክልል ትግራይ መሊስካ እግሪ ንምትካል ፓርቲታት ፖለቲካን ስቪክ ማሕበራትን ግደኦም ንክዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ትግራይ መሊስካ እግሪ ንምትካል ፓርቲታት ፖለቲካን ስቪክ ማሕበራትን ግደኦም ንክዋፅኡ ፃውዒት ቀሪቡ።

ትካል ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ክሊ እዋናዊን መፃኢ ጉዳይን ትግራይ ኣብ ክልል ትገራይ ምስ ዝንቀሳቐሱ ኣመራርሓ ፓርቲታት ፖለቲካን ስሺክ ማሕበራትን ዘተ ኣካይዱ።

ኣካቢ ቦርድ ትካል ተጋሩ ኢትዮጵያውያን ኣይተ የውሃንስ ጎይተኦም ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ግልፅን ኣሳታፊን ንምግባር ብምሕሳብ እቲ ዘተ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ለውጢ ስዒቡ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፀገማት ንክፍትሑ ምስ ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ማሕበረሰብን ብምትሕብባር እቶም ፀገማት ንክፍትሑን ህፁፅ መፍትሒ ንክርከብን ንምግባር ከምዝኾነ ገሊፆም።

መራሕቲ ሃይማኖት፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ፓርቲታት ፖለቲካን ዜጋታትን ዘካተተ መማክርት ጎባኤ ክጣየሽ ከምዝግባእ መዳርግቲ ኣካላት ንምግንዛብ እቲ መድረኽ ከመዝተዳለወ እውን ተዛሪቦም።

ህዝቢ ትግራይ ኣብቲ ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ፖሊቲካዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ማህበራዊን ፍትሒ ንክረክብ ተሓባቢርና ምስራሕ ይግባእ እውን ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ክልል ትግራይ ኣይተ ነብዩ ስሑል ሚካኤል፥ ክልል ትግራይ መሊስካ እግሪ ንምትካል ፓርቲታት ፖለቲካን ስቪክ ማሕበራትን ግደኦም ንምውፃእ ንዝገብርዎ ዘለዉ ፃዕሪ አመስጊኖም።

ስቪክ ማሕበራት ኣብ ቀፃሊ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝግበሩ ጉዕዞታት ለውጢ ግደኦም ክዋፅኡ ከምዘለዎም ብምግላፅ፥ ፓርቲ ብልፅግና እውን ደገፍ ከምዝገብር ኣረጋጊፆም።

ኣቦ መንበር ትግራይ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ዶክተር ኣረጋዊ በርሀ ብግደኦም፥ ጁንታ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ን30 ዓመታት ዘስዓቦ ፀገም ምፍታሕ ዝከኣል ተቐራሪብካ ብምዝርራብ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ፀገም ህዝቢ ትግራይ ዝፍታሕ ፓርቲ ፖለቲካ ብምጥያሽ ጥራሕ ዘይኮነስ ስቪክ ማሕበራት እውን ብምውዳብ ኢዩ ኢሎም ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.