Fana: At a Speed of Life!

ክልል ትግራይ ሓዊሱ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘድሊዮም ከባቢታት እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ተጠናኺሩ ይቕፅል ኣሎ – ሚኒስቴር ሰላም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ትግራይ ሓዊሱ ሰብኣዊ ሓገዝ ኣብ ዘድሊዮም ከባቢታት እናተሰርሐ ዝርከብ ስራሕ ተጠናኺሩ ይቕፅል ከምዘሎ ሚኒስቴር ሰላም ገሊፁ።

ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ኮሚቴ ሚኒስትራት ወሃቢ ምላሽ ህፁፅ እዋን እናተኸታተሎ ዝርከብ ሰብኣዊ ሓገዝን መሊስካ ህንፀትን ኣመልኪተን ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂበን።

እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ስዒቡ 2 ነጥቢ 5 ዜጋታት መዓልታዊ ሓገዝ ምግቢ ከምዘድሊዮም ተፈሊጡ ሓገዝ ንምብፃሕ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፀን።

መንግስታዊ ዘይኮኑ ትካላት እውን ሓገዝ ኣብ ምግባር ከይዲ እናተሳተፉ ይርከቡ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ክሳብ ሕዚ 1 ነጥቢ 6 ሚሊየን ንዝኾኑ ዜጋታት ልዕሊ 305 ሺሕ ኩንታል ሓገዝ እኽሊ ምግባር ከምዝተኽኣለ ኣብሪሀን።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ 22 ሺሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ ብጥምረትን 69 ሺሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ ንተሓገዝቲ ሴፍቲኔትን ንምብፃሕ እውን ኣብ ከይዲ ከምዝኾነ ዝገለፃ ወይዘሮ ሙፈሪያት፥ እኽሊ ተንከፍ ዘይኮኑ ሓገዛት እውን ብስፍሓት እናበፅሑ ከምዝኾኑ ተዛሪበን።

ስራሕቲ መንግስታዊ ኣገልግሎት ንምጅማር ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ብምግላፅ፤ ብር 71 ሚሊየን ወፃኢ ተገይሩ ቀረብ መድሓኒት ንምብፃሕ ፃዕሪ ከምዝተገበረን መስመራት ማይ ክሳብ ዝፅገኑ ብቦቴ ንምብፃሕ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሀን።

ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ከይዲ ከምዝኾነ ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ሓይሊ ፀፅታ ንኽጠናኸርን ናብ ስራሕ ንኽምለስን ምግባሩ ውፅት እናተርኣየሉ ከምዝኾነን እውን ኣገንዚበን።

ብተመሳሳሊ ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ብዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ንዝተመዛበሉን ናብ ፀገም ዝርከቡን ልዕሊ 104 ሺሕ ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ንምቕራብ እናተሰርሐ ይርከብ ኢለን።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.