ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ቤህነን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ስምምዕነት ተፈራሪሞም
ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ምንቅስቓስ ናፅነት ህዝቢ ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ (ቤህነን)ን ብሓባር ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሎመረ ጉዳይ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።
እቲ ስምምዕነት ዝፈረሙ÷ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ኣሻድሊ ሓሰንን ኣቦ መንበር ቤህነን ኣብዱሰላም ሸንገልን ኢዮም፡፡
ኣብቲ ክልል ዝተረኸበ ኣንፃራዊ ሰላም ንምፅናዕ ዝዓለመ ስምምዕነት ከምዝኾነ ካብ ፓርቲ ብልፅግና እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
ህዝቢ እቲ ክልል ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ዝስተውዓሉ ፀገማት ብልዝብ ንምፍታሕ ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡
ፖለቲካዊ ኣፈላለያት ከምዘሎ ኮይኑ÷ ንህዝቢ እቲ ክልል ሰላምን ልምዓትን ክበሃል ብሓባር ንምስራሕ እቲ ስምምዕነት ከምዝተፈረመ ተሓቢሩ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com