Fana: At a Speed of Life!

ክልል ሶማሌ ቅድሚ ለውጢ ካብ ዝነበሮ ፀገም ፀፅታ ወፂኡ ዘረጋገፆም ውፅኢታት ዝነኣዱ ኢዮም – ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ሶማሌ ቅድሚ ለውጢ ካብ ዝነበሮ ፀገም ፀፅታ ወፂኡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ዘረጋገፆም ውፅኢታት ዝነኣዱ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ልምዓት ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።

መድረኽ ልውውጥ ልምዲ ፕሮግራም ትካላዊን መሰረተ ልምዓትን ከተማታት ኣአብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ይሳለጥ ኣሎ፡፡

ኣብቲ መደርኸ ርእሰ ምምሕዳር ክል ሶማሌ ኣይተ ሙስጠፌ መሓመድን ሚኒትር ልምዓት ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኔ ሓዊሱ ካብ ክልላትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያን ዝተውፃእፅ ኣመራርሓታት ምምሕዳር ከተማ ተሳተፍቲ ኮይኖም።

ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ፥ እቲ ክልል ቅድሚ ለውጢ ካብ ዝነበሮ ፀገም ፀፅታ ወፂኡ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓማውቲ ዘረጋገፆም ውፅኢታት ዝነኣዱ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ልምዓት ከተማን መሰረተ ልምዓትን ገሊፀን።

ፕሮግራም ትካላዊን መሰረተ ልምዓትን ከተማታት ኣብ ከተማታት ብዙሓት ለውጢታት እናምፀአ ከምዝኾ ዝሓበራ እተን ሚኒስትር፥ እቲ መድረኽ ልውውጥ ልምዲ ኣብቲ ክልልን ካልኦት ከተማታትን በቲ ፕሮግራም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ብምግምጋም ፅቡቓት ተሞክሮታት ዝውሰዱሉ ከምዝኾነ ምሕባረን ካብ መራኸቢ ሓፋሽ እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.