Fana: At a Speed of Life!

ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ልዕሊ 43 ሺሕ ቶን ቅመማቕመም ንማእኸላዊ ዕዳጋ ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልል ህዝቢታት ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም 43 ሺሕን 141 ቶን ቅመማቕመም ናብ ማእኸላዊ ዕዳጋ ምቕራቡ ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ቡን፣ ሻሂን ቅመማቕመምን እቲ ክልልን ሓላፊ ዘፈር ልምዓትን ሓለዋን ቡን፣ ሻሂን ቅመማቕመምን ኣይተ በላይ ኮጁኣብ ከምዝገለፁዎ÷ ኣብቲ ዝተዛዘመ በጀት ዓመት ኣብ 83 ሺሕን 322 ሄክታር መሬት ቅመማቕመም ለሚዑ።

ካብዚ ድማ 47 ሺሕን 275 ቶን ፍርያት ናብ ማእኸላዊ ዕዳጋ ንምቕራብ ተሓሲቡ 43 ሺሕን 141 ቶን ፍርያት ቅመማቕመም ምቕራብ ከምዝተኸኣለ ገሊፆም።

91 ነጥቢ 26 ሚኢታዊ እቲ ትልሚ ምዕዋት ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

እቲ ክልል ናብ ማእኸላዊ ዕዳጋ ካብ ሞንጎ ዘቕረቦም ፍርያታት ቅመማቕመም÷ ኮረሪማ፣ በርበረ፣ ሚጥሚጣ፣ ዝንጅብል፣ ሄል፣ ኮሰረት፣ ሮዝመሪን ይርከቡዎም፡፡

ኣብቲ ተታሒዙ ዘሎ በጀት ዓመት 54 ሺሕን 366 ቶን ቅመማቕመም ናብ ማእኸላዊ ዕዳጋ ንምቕራብ ተሓሲቡ እናተሰርሐ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ብፌቨን ቢሻው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.