Fana: At a Speed of Life!

ክልላዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ 30 ታሕሳስ ከምዝዛም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25  ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብመሰረት ዝተቐመጠ ግዜ ሰሌዳ ክልላዊ ፈተና ሻምናይ ክፍሊ ኣብ ኩለን ክልላት ክሳብ 30 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም ከምዝዛም ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ነዚ ስዒቡ ቢሮ ትምህርቲ ክልላት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምዝታይን ኣድላዪ ምድላው ብምግባርን እቲ ፈተና ኣብ ዝተትሓዘሉ እዋን ንምሃብ ዘኽእል ናይ ባዕሎም ሰሌዳ ግዜ ብምድላው ናብ ስራሕ ዝኣተዉን ኣብ ቀፃሊ ዝኣትዉ ከምዘለዉን ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ክልል ሃረሪ 7 ክሳብ 9 ታሕሳስ ከምኡውን ክልል ኣምሓራ 12 ክሳብ 14 ታሕሳስ እቲ ፈተና ክወሃብ ኢዩ።

ካልኦት ክልላት ድማ ኣብ ዝቕፅሉ መዓልታት ዝወሃበሉ እዋን ዕላዊ ከመዝገብሩ ተገሊፁ።

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እቲ ፈተና ካብ ትማሊ ጀሚሩ ይወሃብ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.