ክልላት ካብ ድጎማ በጀትን ካብ ናይ ሓባር እቶትን ዝርከቡ ኣታዊ ይውስኽ ከምዘሎ ተገሊፁ
ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሰነ ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሪሽን ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር ክልላት ካብ ድጎማ በጀትን ካብ ናይ ሓባር እቶትን ዝርከቡ ኣታዊ ይውስኽ ከምዘሎ ገሊፆም።
እቶም ኣፈጉባኤ ኣብ መንጎ ክልላት ዝረአ ዕብየት ዘይተመጣጠነ ከምዝኾነ ገሊም።
ኣብ ቀፃሊ ናይ ኣሰራርሓ ሰርዓት ምዝርጋሕ ከመዝግባእ ድማ ሓቢሮም።
እቶም ኣፈ ጉባኤ ነዚ ዝበሉ፥ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ፌዴሪኢ ኣብ ርክብ ፊስካል በይነ መንግሥታት ምስ ኣመራርሓታት ቐዋሚ ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢን ካልኦት ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላትን ኣብ ከተማ ኣዳማ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ መድረኽ ዘተ ኢዩ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ ተረኺቦም ናይ እንዃዕ ዳሕን መፃእኹም መደረ ዘስምዑ ኣይተ ዳሳ ቡልቻ፥ ኣብቲ እዋን ፎረም ዳይሬክተር ሲንየር ኦፈ ፌዴሬሽን ኢትዮጵያ ዋና መግለፂታት ስርዓታት ፌዴራል ምርግጋፅ ክፍፍል ሃብቲን ሕገ መንግስታዊ ስልጣንን ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ወሲኾም ኣይተ ዳሳ ኣብ መንጎ ኣባላት ፌዴሬሽን ዝተመጣጠነ ልምዓት ንክመፅእን ተቐራራቢ ዝኾነ መንግስታዊ ኣገልግሎት ንክረኽቡን ኣብ መንጎ ፌዴራልን ክልላትን ፍትሓዊ ዝኾነ ርክብ ሰላም ንክዓቢን ግልፅን ውፅኢታዊን ርክብ ስርዓት ፊስካል ምህላዉ ቁልፊ ጉዳይ ከምዝኾነ ፀሪሖም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።