Fana: At a Speed of Life!

ክልላት ኦሮሚያን ጋምቤላን ኣብ ልምዓትን ሰላምን ንመስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስመምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ርኣሰነ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስታት ኦሮሚያን ጋምቤላን ኣብ ዝቕፅሊ ሓሙሽተ ዓማውቲ ኣብ ምዕሳል ልምዓትን ሰላምን ብሓር ንመስራሕ ዘኽእል ሰነድ ስመምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ርእሰ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳን ርእሰ ምምሕዳር ክልላዊ መንግስቲ ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉ ኢዮም ተፈራሪሞምዎ፡፡

ምስ እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ተተሓሒዙ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብሸኔን መሰል ተሓባበርቱን ኣቢሉ ክፍፅሞም ዝሓሰቦም ዝተለመዱ ራዕዳዊ ተግባራት ንምምካን ዘኽእልን ብልምዓት እውን ነተን ክልላት የተኣሳስርን ስምምዕነት ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ሎሚ መዓልቲ ናብ ክልል ጋምቤላ ምቕነዖምን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኢፋ ቦሩ ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ኹርናዕ ከምዘንበሩን ቤት ፅሕፈት ክልላዊ መንግስቲ ምግላፁ ይዝከር።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.