Fana: At a Speed of Life!

ክሌማዊ ፅዕንቶ ንምፅዋር ዝተጀመሩ ስራሕቲ ተጠናኺሮም ከምዝቕፅሉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሌማዊ ፅዕንቶ ንምፅዋር ዝተጀመሩ ዓለም ለኸ ፃዕሪታት ውፅኢታዊ ንክኾኑ ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ግደኣ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ፕላንን ልማትን ምስ ዓለም ለኸ ኢንስቲትዩት ሓምለዋይ ዕብየት፣ ሚኒስቴር ግብርናን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ዘሰናደኦ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

ሚኒስትር  ፕላንን ልማትንም ፍፁም ኣሰፋ (ዶ/ር)፥ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሽፋን ደኒ እዛ ሃገር ኣብ 2011 ዓ.ም ካብ ዝነበሮ 17 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ሎሚ ዘበን ናብ 23 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ከብ ኣቢሉዎ ኢዩ ኢለን።

ሓምለዋይ ኣሰር ፍሪያት ኣብ ምስሳን፣ ውሕስነት ምግቢ ኣብ ምርግጋፅ ወሳኒ ግደ ይፃወት ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ነዚ ኣጠናኺርካ ኣብ ምቕፃል ክስረሐሉ ኢዩ ኢለን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እቲ መርሃ ግብሪ ካብ ኢትዮጵያ ሓሊፉ ነቲ ከባቢ ዘሎ ማይ ኣብ ምጉልባት ልዑል ግደ ከምዘለዎ እውን ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ክሌማዊ ፅዕንቶ ንምፅዋር ዝተጀመሩ ዓለም ለኸ ፃዕሪታት ውፅኢታዊ ንክኾኑ ኢትዮጵያ ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ግደኣ ኣጠናኺራ ከምእትቕፅል ገሊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.