Fana: At a Speed of Life!

ክሌማዊ ለውጢ ዝፃወር ፕሮጀክት ምትእስሳር እታወት ልምዓት ስርናይ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክሌማዊ ለውጢ ዝፃወር ፕሮጀክት ምትእስሳር እታወት ልምዓት ስርናይ ኣብ ክልል ዓፋር ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ፕሮጀክት መፍረያይነት ፍርያት ስርናይ ምዕባይን ሓረስቶት ኣብቲ ዓውዲ ዘለዎም ኣታዊ ብምድንፋዕን ህይወቶም ክመሓየሽ ንምግባር ዝዓለመ ኢዩ፡፡

ብዋናነት ኣብ ክልላት ዓፋር፣ ሶማሌ፣ ኦሮሚያን ኣምሓራን ኣብ ዝርከባ 76 ወረዳታት ተግባራዊ ከምዝግበር እውን ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)÷ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ሓጋይን ክረምቲን ከምኡ እውን ኣብ ካልኦት ወቅቲታት ስርናይ ንምፍራይ ዘኽእል ዓብዪ ዓቕሚ ከምዘለዋ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት እውን ኣብ ዓውዲ ልምዓት ስርናይ ዘዕግብ ውፅኢት ከምዝተመዝገበ ገሊፆም፡፡

ብኣለምሰገድ ኣሳዬ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.