Fana: At a Speed of Life!

ኬንያ ኣብ ሰላምን ምዕባለን ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢሲ)ኬንያ ኣብ ሰላምን ምዕባለን ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዕላዊ ዑደት ስራሕ እናገበራ ዝርከባ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ራይሸል ኦማሞ ኣፍሊጠን።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ምስ ሚነሲትር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ራይሸል ኦማሞ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ተዛቲዮም።።

ኣይተ ደመቀ መኮንን፥ ኣብ ጉዳይ ሰለስተኣዊ ድርድር ግድብ ህዳሰ፣ ጉዳይ ዶብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ትንኮያን መጥቃዕቲን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ሰብኣዊ ቀውሲን ዝምልከት መብርሂ ሂቦምወን፡፡

ኬንያ ኣብ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ጎኒ ኢትዮጵያ ደው ብምባል ንህዝቢን መንግስቲን እታ ሃገር ልዑል ምስጋናን ክብሪን ከምዘለዎም እውን እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆምለን።

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኬንያ ራይሸል ኦማሞ ብግደአን፥ ሃገረን ኬንያ ብኹለመዳያዊ ዓውዲታት ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ርክብ ኣጠናኺራ ከምትቕፅልን ኣብ ሰላም፣ ሉኣላዊነት፣ ግዝኣታዊ ሓድነትን ምዕባለን ኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፀን።

ኢትዮጵያን ኬንያን ብብዙሕ መልክዑ ዝተኣሳሰረን ንዘበናት ዝዘለቐ ርክብ ከምዘለወንን ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ጥምረት ክልቲአን ሃገራት ብመሰረተ ልምዓ፣ ኢኮኖሚ፣ ማሕበራዊን ፖለቲካዊን ጉዳያት ዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ብወንደሰን አረጋኸኝ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.